” ዝድላዩ ኣካል ይኾሪ ይተሓጎስ ጉጅለ ዑጡቕ ሃማስ ንምድዓኽ ካብ ዝጀመርኩዎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ዘብለኒ ሓይሊ ኣይክህሉን።” – መንግስቲ እስራኤል።

መንግስቲ እስራኢል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ዝድላዩ ኣካል ይኾሪ ይተሓጎስ ጉጅለ ዑጡቕ ሃማስ ንምድዓኽ ካብ ዝጀመርኩዎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ዘብለኒ ሓይሊ ኣይክህሉን ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

መንግስቲ እስራኤል ንህዝብን ሃገርን እስራኤል ንምውሓስ ኣብ ሰናይ ቅልፅሙ’ዩ ዝድረኽ። ርግፅ’ዩ መንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካ ንእስራኤል ክህልዋ ንዝኽእል ደገፍ ሓቲቱ’ዩ። እንተኾነ ግን እነካይዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ሰናይ ሓገዝ ሑቡራት ኣመሪካ ዝሙርኮስ ስለዘይኮነ ካብ ዝጀመርናዮ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ከብለና ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ የለን ኣይክህሉን’ውን ክብል ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሑቡራት ኣመሪካን ዘይምጥዕዓም ከምዘሎ እንዳተገለፀ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ እስራኤል ንዚ ምላሽ ምሃቡ እቲ ዘይምርድዳእ ሰማይ እኳ እንተዓረገ ኣመሪካ ካብ ውሑስ ህላወ መንግስትን ህዝብን እስራኤል እትረኽቦ ፖለቲካዊ ረብሓ ቡዙሕ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ትበፅሖ ነገር ከምዘይብላ’ዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ እስራኤልን ሓማስን ተኹሲ ደው ከብሉ ሎሚ ፃውዒት እኳ እንተቕረቡ መንግስቲ እስራኤል ግን ከምዘይቕበሎ ገሊፁ’ሎ።

ምዕራባውያን ሃገራት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረብዎ ስምዕታ እስራኤል ኣብ ራፋሕ እትገብሮ ዘላ ጎስጓስ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብኣግኡ ንምግታእ እንተዘይተሰሪሑ 250 ሽሕ ሰባት ግዳይ ሞት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም ኣለው።

መንግስቲ እስራኤል ንዚ ሓደጋ ንምክልኻል እንተተደልዩ ኣብ ተኣፋፊ ወተሃደራዊ ቦታታት ንዘለው ሰለማውያን ሰባት ካፍቲ ቦታ ክወፁ ግድን’ዩ ክብል ብተደጋጋሚ ቀጢን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *