“ዝደለኻዮን ትምነዮን ምፅሓፍ ባህጊ’ዩ ፤ ቀያድን ኩቱምን ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ካልእ’ዩ” – ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ።

ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ናብ ድርድር ዘይቐርብ ሕገመንግስታውን ቀያድን ቀይሕ መስመር’ዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝደለኻዮን ትምነዮን ምፅሓፍ ባህጊ’ዩ ፤ ቀያድን ኩቱምን ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ካልእ’ዩ ክብሉ ንቲ ትማሊ ዝተዘርገሐ መናውራ መግለፂ ነቒፎም።

ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ጅሆ ብምሓዝ ካብ ኣካላት ፀጥታን ምሕደራን መንግስቲ ትግራይ ብምንፃል ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስን ኣብ ትሕቲ ፌደራል ሓይልታት ፀጥታ ክምሓደር ሕቶ ምቕራብን ካብ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝሓንገደ ፖለቲካዊ ሕጫጨ’ዩ ክብሉ ንቲ ዝወፀ መግለፂ ብትሪ ነፂጎሞ።

ዝተመዛበለ ህዝብታት ምዕራብን ደቡብን ናብ መረበቱ ዝምለስ ምስ ሙሉእ ኣካላት ፀጥታን ምሕደሩኡን ጥራይ’ዩ ፤ ንዚ ክውን ንምግባር ድማ ብዘይ ምጉብዕባዕ ንዝተኸተመ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምትግባር’ዩ ዘላቒ መድሓኒቱ ኢሎም።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ቅድሚ እቲ ዝተፈጠረ ውግእ ግዝኣታዊ ሓድነት ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዝምእዝዞ ቀያዲ መስርሕ’ምበር ወፍ ብዘበሎም ሰባት በብዕለቱ ብዝጭሕገርን ብዝዝርጋሕን ፅሑፍ ከምዘይኮነ ድማ ወሲኾም ኣረዲኦም።

#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *