ፕረዝደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ሓፀቦ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ስየ ብበዓል ሃፍቲ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሎሚ 21 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም እምነ ኩርናዕ ኣብ ዘንበርሉ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለፅዎ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፍልልያት ልዕሊ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ዝዕቀን ኣይኮነን ኢሎም።
ተፈጢሩ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ዓቂብና ብምቕፃል ህዝብና ብዝተፈላለዩ መሰረታዊ ልምዓት ክንድብስን ክንክሕስን ይግባእ ድሕሪ ምባል ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ህዝቢ ሓድነቱ ብምስጣም ክቃለስ ፀዊዖም።
ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ይኹኑ ጉዱሳት ተጋሩ ኣሰር ክቡር ዶክተር ዘርኡ ተኸቲሎም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወረደና ከቢድ ቁጠባዊ ዕንወት ሓገዞምን ደገፎምን ከዕዝዙ ከምዝግባእ ድማ ፕረዝደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፀዊዖም።
ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሰለሙን መዓሸ ብወገኖም ኣብ ፅባሕ መርድእ ጀጋኑ ሰማእታትና ኾይና ነታ ብፀላእቲ ዝዓነወት ትግራይ ንምህናፅ ኣብ ንገብሮ ዘለና ርብርብ ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ብምንኣድ ኩሉ ግዱስ ትግራዋይ ናይ ባዕሉ እጃሙ ከበርክት ፀዊዖም።
ክቡር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብወገኖም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ዘበኑ ጫፍ ብልሕን ጥበብን ዝወነነ ህዝቢ ምንባሩ ብምዝኽኻር ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ዝተርኣየ መኸተ ኣብ ልምዓት ክድገም ብፍላይ ድማ መራሕቲ ትግራይ ካብ ሕሉፍ እዋናት ተማሂሮም ነቲ ህዝቢ ብዝምጥን መልክዑ ሓድነቶም ኣስጢሞም ክመርሕዎ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ብፈታዊ ዓዶምን ግዱስን ብዓል ሃፍቲ ትግራዋይ ዶክተር ክብሪ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ሸውዓቲአን 2ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ 4-5 ኣዋርሕ ህንፀቶም ተዛዚሙ ናብ ኣገልግሎት ከም ዝበቅዑ ተገሊፁ’ዩ ከም ፀብፃብ ድወት።