03ጳጉሜን 2015 ዓ/ም
ንወፅዓን ጭቆናን ዘይቕበል ህዝብ ትግራይ ቅድሚ 80 ዓመታት 2 ጳጉሜን 1935 ዓ/ም ኣንፃር ገዛእትን መሳፍንትን ዘካየዶ ቃልስን ህዝባዊ ዓመፅን መርኣያ ንክብሩን መንነቱን ዘካየዶም ቃልስታት ምዃኑ ዝገልፅ ኮይኑ ነቲ ጅግንነትን ቃልስን ንምዝካር ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ጣብያ ሕንጣሎ ፍሉይ ቦታ ማይ ደርሁ በብዓመቱ ዝኽበር ኮይኑ ሎሚ እውን 2 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም ህዝብን ምምሕዳርን እቲ ወረዳ ምስ ቴለቭዥን ድምፅ ወያነ ብምትሕብባር ብድሙቕ ኩነታት ከም ዝተኸበረ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ዝለኣኮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።