ኣብ ፅባሕ ብሄራዊ መርድእና ዘሎ ዕማም ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕን ምብራቕን ከምኡ ድማ ኣብ ዞባታት ማእኸላይን ሰሜናዊ ምዕራብን ዝረአ ዘሎ ወቅቱ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዘራእቲ ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ምስ ዝምልከቶም ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ህዝብን ተወዲድካ ምስራሕ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት መንግስቲ ብዘውፀኦ ኣንፈት መሰረት ብፍላይ ናይ ስድራ ስውኣት ዝራእቲ ኣብ ምእካብ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ፅቡቕ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል ቅልጡፍ ዘራእቲ ኣብ ምዝራእን ምስላጥን እውን ፅቡቕ ክያዶ ከምዘሎ ሓቢሮም እዮም። ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብ ሓገዝ ንምቕራብ ምስ ለገስቲ ኣካላት ይስራሕ ምህላውን፣ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ሰራዊት፣ ህዝብን ውድብን ብምውዳድ ንሕብረተሰብ ዝረብሕ ተግባራት ምፍፃም ልዑል ርብርብ እናተገብረ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኾይኑ ግና ህዝብን መንግስትን ኣብዚ ግዘ ዘይህብ ድርቅን ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ኢደይ ኢድካ ብምባል ሓያል ርብርብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፣መንግስቲ ብዘይፈልጦ፣ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ብምብኻን ካብ 14 ጥቅምቲ 2016 ዓም ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ካብ ጣብያ፣ ወረዳን ዞባን ዝተኣኻኸበ ሓይሊ ኣኼባ ናብ መቐለ ምፅውዑ ምኽንያቱ ግልፂ ከምዘይኮነ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብሪሆም።
ናይዚ ቀንዲ ተሳተፍቲ በቢብርኩ ዘለው ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ሓለፍቲ እንትኾኑ መንግስትን ህዝብን ዝሃቦም ሓላፍነት ኣብዘይተጠቐሙ ኣካላት ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ። እዚ ዝተጀመረ ስጉምቲ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፕረዚደንት ጌታቸው ገሊፆም።
እዞም መለዓዓልቲ ህዝቢ ነቲ ኣብ መሬት ኣጋጢሙና ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ፣ ህዝቢ ሒዝካ ኣብ ክንዲ ምውፋር ናብ መቐለ መፂኻ ምእካብ ዕላምኡ ግልፂ ከምዘይኮነ እውን ፕረዚደንት ጌታቸው ሓቢሮም።
በቲ ዝተገበረ ናይ ኣኼባ ፃውዒት ” ኣብ ገለገሊኡ ስንቂ እውን ሒዞም ንኽመፁ” ከምዝተነገሮም ዝሓበሩ ፕረዚደንት ጌታቸው፣ እዚ ክፍተት ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ከምዝዝትይሉን ነቶም ኣብ ካሊእ ስራሕ ውዒሎም ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ኣካላት ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ክፍተት ንኸይፍጠር መንግስቲ ብቕልጡፍ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስደሉ ከምዘሎ ገሊፆም።
“ነቲ ሐዚ በፂሑና ዘሎ ፀገም ሰራዊትና፣ ውድብናን ህዝብናን ኣንቀሳቑስና ንምስትኽኻል ክስራሕ እዩ” ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው፤ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይትተኣከቡ ዝበለ ከምዘየለ እውን ተዛሪቦም።
ለይቲ ሰዓት 7 ሰባት ፀዊዕኻ ኣብ መቐለ መድረኽ ናይ ምክያድ ተግባር ህዝብና ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ሽግር ንምውፃእ መንግስቲ እናገበሮ ንዝርከብ ልዑል ፃዕሪ ዝዘርግ ስለዝኾነ ክዕገት ከምዘለዎ ፕረዚደንት ጌታቸው ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ጌታቸው ኣተሓሕዞም፣ ኩሉ በቢብርኩ ዝርከብ ናይ መንግስቲ ኣካል ህዝብን መንግስትን ዝሃቦ ሓላፍነት ብኣግባቡ ብምውፃእ ንህዝቢ ዝረብሕ ነገር ንኽሰርሕ ፀዊዖም። “እቲ ክእከብ ዝግባእ ምህርቲ ምእካብ እምበር ፍርቂ ለይቲ ናብ ኣኼባ ኣርክቡ ምባል ዕላምኡ ኣይተፈለጠን። ስለዚ ነዚ ናይ መንግስቲ ንህዝብን ዓድን ዝረብሕ ስራሕ ዘዐንቅፍ ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ስጡም ስጉምቲ ከምዝውሰድ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣተሓሳስቦም።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
16 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም