01 መስከረም 2015 ዓ/ም
ኣብ ከተማ ማይጨው ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?
ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ዞባ ደቡብ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባውን መንግስታውን መሪሕነት ንነዊሕ እዋን ኸገልግሉ ዝፀንሑን ኣብ ምግልጋል ዝነበሩን ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ሃይሉ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 3፡30 (ንጊዝይኡ መንነቱ ብዝምልከቶ ኣካል ክሳብ ዝርቋሕ) ከምዝተቐተሉ 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣረጋጊፁ’ሎ።
ኣስክሬን ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ሃይሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንምርመራ ናብ ከተማ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝኣተወ’ውን 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ካብ ምምሕዳር እቲ ዞባ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊፁ’ሎ። ዝርዝሩ ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ውዕሎ ማሕበራዊ ሚድያና ከነቕርቦ ኢና!
104.4 ሬድዮ FMመቐለ ፅንዓት ይምነ !
#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ