ዜና ዕረፍቲ!

ነባርን ሙኩርን ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ (ሃይሉ ገምበላ) ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ (ሃይሉ ገምበላ) ንፈለማ እዋን ፈነወ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ኣሃዱ ኢሉ እንትፍልም ንቋንቋን መንነትን ትግራይን ተጋሩን ወኪሉ ኣብ’ቲ ትካል ተቖፂሩ ምስራሕ ዝጀመረ ሙኩርን ነባርን ጋዜጠኛ’ዩ ነይሩ።

ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ መደብ ቋንቋ ትግርኛን ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይን ካልኦትን ካብ ተራ ጋዜጠኛ ክሳብ ዝተፈላለዩ ብርክታት መሪሕነት ዝሰረሐ ጋዜጠኛ ሃይሉ ” መገሻ ኣርሆ፣መገሻ ዓዲ ኩናምን ቀያሕቲ እንባታት ኢሮብን ካልኦትን ዝብሉ ዓበይቲ ሰነዳዊ መደባት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ብምስራሕ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ነይሩ።

ካብ ኮሌጅ መምህራን ኮቶቤ ዲፕሎማ፣ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሞያ ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽንን ቀዳማይ ድግሪን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ብሞያ ስነ ፅሑፍን ቋንቋታት ወፃእን 2ይ ድግሪ ዝተምሃረ ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ቆልዑን እዩ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ሎሚ’ዩ ዓሪፉ። ፅባሕ ሕዳር 27/3/2016 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ቤተ ክርስትያን ማርያም ጉግሳ ሰዓት 12:ዐዐ ናይ ንጎሆ ስድርኡ፣ መሳርሕቱን ፈተውቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነ ስርዓት ቀብሩ ክፍፀም እዩ።

104.4 ሬድዮ FM መቐለ ብሕልፈት ጋዜጠኛ ሃይሉ ገሰሰ ( ሃይሉ ገምበላ) ዝተሰመዖ ሓዘን እንዳገለፀ ንመላእ ቤተሰቡን ፈተውትን ፅንዓት ይምነ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *