” ዘይሕጋውያን ስደተኛታት “እንስሳ” እዮም።” – ፕረዚዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ።

ፕረዚዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቕፅል መረፃ እታ ሃገር ኣነ እንተዘይተመርፀ ኣሜሪካ ብዓመፅን ቅትለትን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክትሳቐ ምዃና ክትፈልጡ ይግባእ። ብሱሩውን ናይ መወዳእታ ዕፃ መረፃ እታ ሃገር ከምዝኸውን’ውን ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሚቺጋን ኣብ ዘካየዶዎ ወፍሪ ምረፁኒ ጎስጓስ ከምዝገለፅዎ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምሰባት ክትቆፅሮም ዘፀግሙ እንስሳ’ዮም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ምሒር ፅልኢት ኣግሂዶም ።

ብዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝፍፁሙ ኣረሜናዊ ገበናት ኣብ ኣመሪካ እናወሰኸ ምምፅኡ ብምጥቃስ እቶም ነቲ ገበናት ዝፍፅሙ ዘለዉ ስደተኛታት “እንስሳታት” ስለዝኾኑ’ዮም ኢሎም።

ንዞም እንስሳ ስደተኛታት ልክዖም ንምትሓዝ እንተደሊኹም ንዓይ ምረፁ ዝበሉ ትራምፕ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ ዓመፅን ኣረሜናዊ ቅትለትን ኣብታ ሃገር ክቕፅል ከም ምፍቃድ’ዩ ዝቑፀር ኢሎም ኣለዉ ከም ፀብፃብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝፍፁም ገበናት ይውስኽ ኣሎ ክብሉ ዝተዛረብዎ ዘረባ ብመርትዖ ዘይተደገፈ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ምስ ስኑድ መዛግብቲ ገበን እታ ሃገር ክረአ ከሎ ካብ ክውንነት ወፃኢ ምዃኑ ፀብፃባት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ፕረዚዳንት ጆ ባይደን እውን ነዚ ብትራምፕ ዝተብሃለ ነገር ድሕሪ ምኹናን መደረ ትራምፕ ዘይቡሱልን ሓደገኛ ፈላላይን’ዩ ክብሉ ብትሪ ነቒፎሞ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *