“ዘረባ ደመቀ መኮነን ሰብኣዉነት ዝጎዶሎ ሑሱር ዘረባ’ዩ፡፡”-ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፡፡

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ካብ ቁፅፅር ሓይልታት ፀጥታ ወፃእ ግዳይ መጥቃዕቲ ቕትለት ዝኾኑ ዘለዉ ሰለማዉያን ወገናት “ጉድኣት ከይበፅሖም ብረት ዓጢቖም ኽከላኸሉ ይግባእ’ ክብሉ ዕምሪ ሕጋዊ ስልጣኖም ዘብቅዐ ኣባል ጉጅለ ዕዋሉ ብልፅግና ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝሃብዎ ዘይሓላፍነታዊ ምኽሪ ንትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣቖጢዑ፡፡ሓላፊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ቀርኒ ሃገራት ኣፍሪካ (ሂውማን ራይትስ ዎች) – ላትሺያ ባደር ሎሚ ኣብ ትዊተር ገፀን ኣብ ዝዘርገሐኦ ፅሑፍ ከምዝገለፀኦ ኣይተ ደመቀ መኮነን ብተደጋጋሚ ጥቕዓት ህይወቶም ንዝስእኑ ዘለዉ ሰለማዉያን ነበርቲ ህዝቢ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣካላት ፀጥታ ጉቡእ ከለላ ንኽገብረሎም ምሕታቶም ስዒቡ ኣይተ ደመቀ መኮነን “ጉድኣት ከይበፅሖም ብረት ዓጢቖም ኽከላኸሉ ይግባእ’ ክብሉ መልሲ ምሃቦም ዘይሓላፍነታዉን ዝወረደን መልሲ’ዩ ክብሉ ብትሪ ነፂገንኦ፡፡”እቲ ብኣይተ ደመቀ መኮነን ዝተዉሃበ ሓሳብ ዘላቒ መፍትሕን ዉሑስ ሰላምን ዘረጋግፅ ዘይኮነስ ኣብ ዘይሩጉዕ ህይወት ንዘሎ ህዝቢ ኽዓጥቁ ብምግባር ሓድሕዶም ንኽናቖሩ ዝገብር ዘይሓላፍነታዊ ቀይናን ማዕዳ’ዩ!” ክብላ ወቒሶንኦ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments