ኣባል ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ኣልተን
10 መሰከረም 2016 ዓ.ም
( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ስብኣዊ መስላት ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስለማውያን ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ይፍፀም ምህላው ኣብ ኣኬባ ባይቶ ስብኣዊ መስላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቅረቦም እዮም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ዓለም ለኸ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ዝምልከት ኣካላትን ዕማም ኮሚሽን ስብኣዊ መስላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢ/ያ ክናዋሕ ከምዝግባእ ይገልፁ ኣለው።
ኣባል ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ኣልተን ብወገኖም ድማ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ስብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ዝምልከት ፀብፃብ ኣብ ዝዝርግሓሉ ዘሎ እዋን ዕማም እቲ ኮሚሽን ብምሕዳስ ነቲ ኩነታት ምፅራይ ክቕፅለሉን ዕድመ ስልጣኑ ክናዋሕ ምግባርን ወሳኒ እዩ ክብሉ ተዛረቦም።
************************
ብገ/ሄር ገዳሙ