
(ኤፍ ኤም መቐለ 04/08/2011) ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣይተ ሳኒ ረዲ ኣብዚ ዓመት ቡን ብዝተሓተ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዝቐረበ ብምግልፅ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ኣፍረይቲ ቡን ኣታዊኣን ብዝለዓለ ደረጃ ኣንቆልቂሉ ኢሎም፡፡
ቡን ብበዝሒ ፈርዩ ከምዝተዳለወ ዝገለፁ እቶም ሚኒስተር ድኤታ ሓደሽቲ ዕዳጋታት ኣብ ምትእልላሽ ንርከብ ኢሎም፡፡
ኣፈፃፅማ ንግዲ ወፃኢ ቡን እዚ ዓመት ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብኣታዊ 61 ነጥቢ 34 ሚሊዮን ዶላር ከምዝነከየ ሚኒስተር ሕርሻ ምግላፁ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡
0