“ዓለምን ዓለማውያንን እንትጋገዩ ኣብ ክንዲ ምንቃፍ ብምድጋፍ ምጥቓዕ ዕለታዊ ስራሕና ገይርና ተለማሚድናዮ’ለና።” – ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ሊቀ ጳጳስ ዘኢትዮጵያ ንመበል 11 ዓመት በዓለ ሃይማኖታዊ ሲመቶም ኣመልኪቶም ኣብ ዘስመዕዎ መንፈሳዊ መልእኽቲ ከምዝገለፅዎ – ዓለምን ዓለማውያንን እንትጋገዩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ምንቃፍ መምስ ዝተጋገየ ምድጋፍን ምጥቓዕን ዕለታዊ ስራሕና ገይርና ተለማሚድናዮ’ለና ኢሎም።

ፖለቲከኛ ናብ ሃይማኖት ኢዱ ኣይእቱን ንዝብል ቀያዲ ሕገመንግስታዊ መስርሕ ብምግሃስ ፖለቲከኛታት ኣብ መስርሕ ሃይማኖት ኢዶም እንተእትው ኣብ ክንዲ ሃይማኖታውን መንፈሳውን ጉቡእና ተጠቒምና ንነቅፍ ንጌጋታት ደገፍቲ ኮይና ምጥቓዕ እቲ ዝኸፍአ ግህሰት ሃይማኖትን እምነትን’ዩ ዝበሉ ብፁእ ወቁዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣቦታት እምነት’ውን ካብ ሕገ ቤተክርስትያንን እምነትን ወፃእ ኣብ ጌጋታት ዓለምን ዓለማውያንን ደው ኢልና ምጥቓዕ ንለማመዶ’ለና ክብሉ ገሲፆም።

ደው ንዝበልናሉ እምነት ብዘይምምሃርና ዝጉዳእ ወለዶ እንተሃልዩ ብደሞም ተሓተትቲ ንሕና ምዃንና ብንፁር ክፍለጥ ይግባእ ድሕሪ ምባሎም ድማ ሃይማኖታዊ ሓላፍነትና ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ምዃኑ እንዳፈለጥና ኣብ ድኹም ኣተሓሳስባን ተግባራትን ዓለምን ዓለማውያንን ጥሒልና ኣብ ዕንክሊል ምእታውና ዘሕዝን’ዩ ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *