ዓለምለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ወርልድ ቪዥን

ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ን155 መራሕቲ ስድራ ንነፍስወከፎም 27,000 ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ።

ዓለምለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ወርልድ ቪዥን ምስ ባንኪ ብርሃን ብምትሕብባር ን155 መራሕቲ ስድራ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ገይራ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ሰለስተ ዙር ዝኽፈል ኮይኑ ንነፍሲወከፍ ስድራ 27 ሽሕ ብር ተበርኪትሎም ኣሎ።

ኣብ ወርልድ ቪዥን ኢ/ያ ጨንፈር ትግራይ ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ኩለመዳያዊ ሓገዝ ንመራሕቲ ስድራ ኣይተ ግርማይ ግሩም እቲ ትካል ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ንዝገበሮ ሓገዝ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ንዝርከቡ 594 መራሕቲ ሰድራ ልዕሊ 16 ሚልዮን ሓገዝ ከም ዝተገበረ ብምሕባር ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምንካይ እቲ ሓገዛ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ንኤመሓት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *