ዑደት ስራሕ ኣብ ሆስፒታል ስሑል ሽረ

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ብሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ዝተመርሐ ልኡኽ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ሆስፒታል ስሑል ሽረ ዑደት ስራሕ ዘሳለጠ ኮይኑ ኣብቲ ዝተሳለጠ ዑደት ብሰንኪ ኲናት ዝወረደ ዕንወት መመርመሪ ናውቲ ጥዕናን ካልእን መፍትሒ ንምቕማጥ ዝዓለመ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ኩሎም ገበርቲ ሰናይ ዘሳተፈ እዩ ምንባሩ እውን ተገሊፁ እዮ።

ብፍላይ ብቆፀሮ መጥባሕቲ/ኢለክቲብ ሰርጀሪ/ ዝባሃል ንኣስታት 4 ዓመት ጠጠው ኢሉ ብምፅንሑ ኣብ ተገልገልቲ ከቢድ ፀገም ስለዘሎ እዚ ንምፍታሕ ፃዕሪ ከምዝግበር ዶ/ር ኣማንኤል ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *