ዎርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ 4ተ ወረዳታት ትግራይ ንልዕሊ 30 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ንምግባር ዘኽእል ፕሮጀክት ልምዓት ሴፍትኔት ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

ኣተሓባባሪ ዎርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ክፍሎም ሳህለ ካብ ዩኤስአይድ ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ወረዳታት ሳምረ፣ ፣እንደርታ፣ ክልተ ኣውላዕሎን ፃዕዳ እምባን ንዝርከቡ ልዕሊ 30 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ዝገብር ፕሮጀክት ሴፍትኔት ከምዝጅምር ገሊፆም።

ተወካሊ ዩኤስ ኣይዲ ሚስተር ቲሞቲ ስተይን ከምዝገለፅዎ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዳግመ ሕውየት ሕርሻ ፣ዳግመ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ትካላት ጥዕናን ትኹረት ብምግባር ብኲናት ዝተሃሰየ ሕብረተሰብ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *