“ውፅኢታዊ መከላኸሊ መድሓኒት ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ተረኺቡ።” – ቢቢሲ።

ነብስና ብቫይረስ ኤችኣይቪ ከይልከፍ ዝከላኸልን ኣዝዩ ውፅኢታዊ ምዃኑን ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ዝተረጋገፀን ‘ፒ-ኣር-ኢ-ፒ’ ዝተብሃለ መድሓኒት ከምዝተረኸበን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ነቲ መድሓኒት ኣብ ዝተጠቐሙ 24 ሽሕ ሰባት ብዝተገበረ መፅናዕቲ ውፅኢቱ ዘተኣማምን ምዃኑ ተረጋጊፁ’ሎ።

ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ድሮ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ነቲ ፒ-ኣር-ኢ-ፒ (pre-exposure prophylaxis)ተባሂሉ ዝፅዋዕ መድሓኒት ካብ ማእከላት ትካላት ጥዕና እናወሰዱ ይጥቀሙ ከምዘለውን ‘ዘ ተረንስ ሂጊንስ’ ዝተባህለ ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ዝነጥፍ ገባሪ ሰናይ ትካል እቲ መድሃኒት ብቐሊሉ ናብ ኩሉ ንኽባፃሕ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ምስ ሆስፒታላት ቸልስን ዌስትሚኒስተርን ብምዃን ነቲ ኣብ መድሃኒት ፒ ኣር ኢ ፒ ዝካየድ ፈተነ ዝመርሕ ኤጀንሲ ድሕነት ጥዕና ዩኬ ከምዝሓበሮ ኣብ ተመሳሰልቲ መድሓኒታት ካብ ዝተገበሩ ምርምራት እቲ ዝዓበየ ውፅኢታዊ መፅናዕቲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *