ውድብ ሑቡራት ኦቻ ንትግራይ መሊስካ ኣብ ምሕዋይን ኣብ ትግራይ ኣጋጠሙ ዘሎ ዓፀቦ ኣብ ምንካይን እግሪ ኣብ ምትካልን ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ገሊፁ ፡፡

ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ሓላፊ UN OCHA ኣብ ኢትዮጵያ ቦኒ ምፓካ ሎሚ 2 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣጠቓላሊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኩነታት ልምዓትን ኣመልኪቶም ዘተ ድሕሪ ምክያዶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ውድብ ሑቡራት ኦቻ ን ትግራይ መሊስካ ኣብ ምሕዋይን ኣብ ትግራይ ኣጋጠሙ ዘሎ ዓፀቦ ኣብ ምንካይን እግሪ ኣብ ምትካልን ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ገሊፆም ፡፡

ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዕዛብ ብምምፀኦም ከም ጉጅለ ዘመስገኑ ፕረዚደንት ጌታቸው፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈጠሮ ጭላንጭል ሰላም ከምዘሎ ኮይኑ መንግስቲ ወረርቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎም ግዝኣታት ትግራይ ክወፁ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዘለዎን ሉኣላዊነት ግዝኣት ትግራይ ክረጋገፅን ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ናብ ዓዲግራት ብምኻድ ምስ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓዲግራትን ምስ ከባቢያዊ ተወከልቲ ህዝብን ከምዝተራኸቡን ብተመሳሳሊ ኣብ መቐለ እውን ምስ ተመዛበልትን መራሕቲ እቲ ማእከልን ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ብምርኻብ ዑደት ከምዝገብሩን ምስ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከምዝራኸቡን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *