“ውዕል ፕሪቶርያ ንኸይትግበር ዝለዓለ ብፅሒት ዘለዎ መንግስቲ ፌደራል እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይምትእምማን ዝወለዶ ርክብ’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ እጃም ኣበርኪቱ’ዩ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ሕብረተሰብ ምስ ዝተወከሉ ነበርቲ ከተማ ማይጨው፣ ተመዛበልቲ ወገናትን ዳያስፖራን ኣብ ህዝባዊ ኣዳራሽ ከተማ ማይጨው ዘተ የሳልጡ ኣብ ዘለውሉ እዋን ከምዝገለፅዎ ‘ክስራሕ እናተገበኦ ንከይስራሕ ዕንቕፋት ካብ ዝኮኑ ኣካላት ሓደ እየ። ዉዕሊ ፕሪቶርያ ንከይፍፀም ካብ ዓንቀፍቲ ሓደን ብዋናነትን ፌዴራል መንግስቲ ዝልዓለ ብፅሒት ይወስድ ካብዚ ዝተረፈ ድማ ከባና ዝጎደለ ሓድነትን ዘይምትእምማንን እዩ ስለዚ እዚ ንክንፈትሕ ክንሓብር ይግባእ ኢሎም።

ተመዛበልትና ንባዕሎም ኪኢሎም ንካልእ ሓገዝቲ ዝነበሩ ወገናት እናለመኑ ክነብሩ ኣይንደልን ቐልጢፉ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ሓሪሱ ኣንደፋሪሱ ዓርሱ ቐይሩ ንዓዲ ንክቕይር ዘይትሓለለ ስራሕ ንምስራሕ ክንሰርሕ ኢና ንደሊ ዝበሉ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቒ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ቐዳምነት ሂብና ኩሉና ክንሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም።

#ጋዜጠኛ ሑሉፍ ዑቋር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *