” ዋና ፀሓፊ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ክዝክር ዘይምኽኣሉ ኣብ ዝሕቱል ክእለት ምዝካር’ዩ ዝምደብ።” – ኣባል ኮንግረንስ ብራድ ሸርማን።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንመዘና ኣልቦን ተራእዩ ዘይፈልጥ ህልቂት ትግራይ ክዝክር ዘይምኻኣሉ ትሑት ተኽእሎ ምዝካር (short memory ) ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ ክብሉ ኣባል ኮንግረንስ ኣሜሪካ ድራድ ሸርማን ነቒፎም ።

ኮንግረንስ ማን ብራድ ሸርማን ነዚ ተሪር ነቐፌታ ዘቕረቡ ቅድሚ ሳልስቲ ዋና ፅሓፊ ውድብ ሕቡራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ እስራኤልን ጋዛን ዝረኣይ ዘሎ ህልቂት ” መዘና ኣልቦ ” ኣብ ታሪኽ ፀሓፍነተይ ” ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ” ኢሎም ንዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ እዩ ።

ብራድ ሸርማን ጉዳይ እስራኤልን ሓማስን ብዕቱብ ይከታተልዎ ከምዘለው ዝርዝር ሓሳብ ዘቕረቡ ኮይኑ ብመንፅር ጉተሬዝ ” መዘና ኣልቦን ተራእዩ ዘይፈልጥ ንዝብል ኣገላልፅኦም ግና ነቲ ኣብ ቐረባ ዓመታት ንዝተፈፀመን ልዕሊ 500 ሽሕ እሞ ድማ ኣብዝሓ ንፁሃት ዜጋታት ዝሃለቕሉ ኲናት ትግራይ ክዝክር ዘይምኽኣሉ ኣመና ትሑት ተኽእሎ ምዝካር (ሾርት ሜሞሪ) ከምዘለዎ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም ኣባል ኮንግረንስ ብራድ ሸርማን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝፀሓፍዎ ነቐፌታ ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ፦

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *