” ዋሕዚ ስደት መናእሰይ ትግራይ ንምግታእ ካብቲ ክሳብ ሕዚ ዝመፀናሉ መንገዲ ብዝተፈለየ መልክዑ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ምዕሩይ ዝኾነ ለውጢ ምምፃእ ቁልፊ ተራ’ለዎ።” – ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ።

ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምስ ዝተውፃእፅኡ ማሕበረሰብ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ፣ሳዕቤናቶምን መፍትሒታቶምን ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከም ዝሓበርዎ – ናህሪ ዋሕዚ ስደት መናእሰይ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይን ትግራይን ዝተፈነወ ውግእ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓቢ ግደ’ኳ ተተፃወተ ንዚ መሊእኻ ንምግታእ ግን ካብቲ ክሳብ ሕዚ ዝመፀናሉ መንገዲ ብዝተፈለየ መልክዑ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ምዕሩይ ዝኾነ ለውጢ ምምፃእ ቁልፊ ተራ’ለዎ ክብሉ ምክትል ፕረዚዳንት ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ንዘጋጠመ ኵናት ፅንተት ስዒቡ ኩለ-መዳይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ዘጋጠመ እንትኾን እዚ ድማ ነቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ መንእሰይ ትግራይ ተስፋ ቆሪፁ እግሩ ነናብ ዘምረሖ ክስደድ እናገበሮ ዩ ድሕሪ ምባል ንዚ ንምግታእ ኩሉ ክረባረብ ፀዊዖም።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ 34 ሽሕ ካብ ትግራይ ንስደት ከምዘምርሑን ናይዚ ቀንዲ ምኽንያታት ድማ ስእነት ስራሕ ፣ ጥሜት ፣ ዘይምርግጋእ ፖለቲካዊ ህይወት ፣ ብመንግስቲ ጭቡጣት ፕሮጀክትታት ዘይምዝርጋሕ ፣ ተስፋ ምስኣንን ካልኦትን ምዃኖም ተሓቢሩ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *