ብዓል ዋና ዩናይትድ ስቲል አይተ አዘዞም አየለ አብ ማእኸል መሐብሐቢ ሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ትግራይ ንዝርከቡ ጀጋኑ ጉድኣት ኲናት ትግራይ ናይ ቤተሶቦም መርዓ ዝውዕል ዝነበረ ወፃእን ካልእን ብምውሳክ እንግዶት ምሳሕ ገይሮም።
መርዓ ቤተሰበይ ምስዞም ጀጋኑ ኢና ነሕልፎ ብምባል ነቲ እንግዶት ምሳሕ ከምዘሳለጥዎ ዝገለፁ በዓል ሃፍቲ ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ፣ ካብዚ ብተወሳኪ ንትካል ገባሪ ሰናይ እሞሆይ ፀጋ 5ዐዐ ሽሕ ብር ፣ንማእኸል መሕብሐቢ ህፃናትን አረጋውያንን ፍሪሜናጦስ 500 ሽሕ ብር ፣ብድምር 1ሚሊዮን ብር ሓገዝ ሂቦም ።
ኣይተ ኣዘዞም ኣየለ ብተወሳኪ ሕፅረት ፁሩይ ዝስተ ማይ ማእኸል መሐብሐቢ ጉድኣት ኲናት ብልዕሊ 3 ሚሊዮን ብር የሳልጡ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ ከም ፀብፃብ ድወት።