ወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ማዕከናት ዜና ቢቢሲን ቪኦኤን ዝርከበኦም ልዕሊ 7 ዓለም ለኸ ማዕከናት ዜና ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንተን ዓለምለኸ ማዕከናት ዜና ዝኣገደሉ ቀንዲ ምኽንያት ዓለም ለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል (ሂውማን ራይትስ ዎች) “ወታሃደራት ቡርኪናፋሶ 50 ህፃናት ዝርከብዎም 233 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ” ክብል ንዘውፀኦ ፀብፃብ ስዒቡ ዝተዛበዐ ዜና ስለዝፀብፀብኩም ኢኹም ንኻልእ ተዛብዑ ዘለኹም ብዝብል ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዛጊድ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ተኣጊዶም ዘለው ማዕከናት ዜና ዓለም ቪኦኤ፣ ቢቢሲ፣ ለሞንዴ፣ ዘ ጋርዲያን፣ ዶቸቪሌ፣ ቲቭ5 ሞንዴ ኦስት ፍራንስ፣ ኤፒን ካልኦትን ከምዝርከብዎም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።

ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ሃገረ ቡርኪናፋሶ ዝድውን ፀብፃብ ብምስረሖም ኣጊደዮም ኣለኹ ዝበለ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ንፀብፃብ እቲ ተሓላቒ መሰል ድማ ኣቆናፂብዎ።

እተን ዓለምለኸ ማዕከናት ዜና ኣብ ልዕሊአን ብዝተወሰደ ስጉምቲ እገዳ ዛጊድ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ።

ሕብረት ኣፍሪካን ማሕበረሰብ ቁጠባ ምዕራብ አፍሪካ (ኢኮዋስ) ንሃገረ ቡርኪናፋሶ ካብ ኣባልነታ ከምዝኣገደኣን ምስ ሃገራት ምዕራባውያን ባንኪ ዓለምን IMFን ዝነበራ ርክብ ብሰንኪ ወተሃደራዊ ዕልዋ ርክበን በቲኸንኦ’ለዋ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *