(30 መስከረም 2016 ዓ.ም 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ፍሉይ ኣማኻሪት ምክልኻል ምፅናት ዘርኢ ሕቡራት ሃገራት ዋይሪሙ ንደሪቱ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኢ/ያ ዝፍፀሙ ዘለዉ ገበናት ሓደገኡ ልዑል ምዃኑን ሐዚ እውን ምፅናት ዘርኢ ክፍፅሙ ዝኽእሉ ኩነታት ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላፀን ካብ ኢትዮጵያ ዝፍፀሙ ዘለዉ ገበናት ብዝምልከት ዝቐርቡ ፀብፃባት ኣዝዮም ዘሰክፉ ብምዃኖም ብምሕባር እቲ ኩነታት ንምክልኻል ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ዘማላከታ እተን ፍልይቲ ኣማካሪት ማሕበረሰብ ዓለም ደማ ነቲ ጉዳይ ፍሉይ ትኹረት ክገብረሉ ፃውዒት ኣቅሪበን ።
ኣብ ኢ/ያ ዘርኢ ምፅናትን ካልኦት ግህሰታትን ከይፍፀም ምክልኻል ከምዘድሊ ዘስመራሉ እንትኮና ወተሃደራት ኤርትራን ምልሻታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅን ከበድቲ ገበናትን ይቕፅሉ ከምዘለዉ ዘገለፃ ዋይሪሙ ንደሪቱ እቲ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል ድማ ሓቲተን እየን ።
ብገ/ሄር ገዳሙ
