ወራር ዕሰለ ኣንበጣ ኣብ ዞባ ምብራቕ፣ ዞባ ደቡብ ምብራቕን ዞባ ደቡብ ትግራይን ተራእዩ ።

5 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዳይረክቶሬት ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ንቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን 05 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ወራር ዕሰለ ኣንበጣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ወረዳ ጉለ መኸዳ ጣብያ ሶበያ፣ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ኣራዕን ጣብያ ዓሊቴናን ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣብያ ሓየሎም፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ፣ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ደብረ ቅብኢ፣ ዞባ ደቡብ ትግራይ ድማ ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ጣብያ ዓፀላ እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተራእዩ ስለዘሎ ሓረስቶት መሬቶም ክትትልን ፈተሽን ክገብሩ ይግባእ ኢሎም።

ካብ 20 ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ትግራይ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምእታው ዝጀመረ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሚኪኤለ፣ መበገሲኡ ግና ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ከምዝኾነን ሓበሬታ ቀዲሙ ስለዝነበረና ቀረባት ብምድላው፣ ምንቅስቓሳት ሕብረተሰብ፣ በቢከባቢኡ ዘሎ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ብምልዕዓል ናይ ምብራር ስራሕ ብለይቲ ድማ ነፀጋ ኬሚካላት እናተኻየደ ይርከብ ኢሎም፡፡

ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝራእቲ ኣይተሸፈነን ኣብ ሓደጋ እውን ኢና ዘለና ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር ካሊእ ተወሳኺ ሓደጋ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ስለዝኾነ መፈልፈሊኡ ድማ ካብ ክልል ትግራይ ወፃኢ ብምዃኑ ኣብቲ መፈልፈሊ ቦታ መንግስቲ ፌደራል ሰፊሕ ምክልኻል ክገብር ከምዝግባእ ኣይተ ሚኪኤለ ገሊፆም፡፡

እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ሙሉእ ብሙሉእ ንምጥፋእ ምስ መድረግቲ ኣካላት፣ ግብረ ሓይሊ ልምዓት ሕርሻ፣ ትካል ምግብን ሕርሻን፣ ሚኒስትሪ ሕርሻ፣ መንግስቲ ፌደራልን ብፍሉይ ኣብቲ መፈልፈሊ ቦታ ክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ፀብፂቡ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *