ወለድ ልቃሕ ባንኪ ትመሓሩ ኢኹም ብዝብሉ ብማሕበራዊ ሚድያ ብዝንዝሑ ዘለው ወረታት ነጋዳይ ማሕበረሰብ ከይታለልን ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከይኸፍልን ፃዊዒት ቀሪቡ፡፡

ወለድ ልቃሕ ባንኪ ትመሓሩ ኢኹም ብዝብሉ ብመደናገርቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ከይታለልን ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከይኸፍልን ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከም ዝበሎ ብሰንኪ እቲ ኲናት ልቃሕ ባንኪ ኣብ ዘለዎም ነጋዶ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ውሳነ መንግስቲ ፌዴራል ይፅበ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ሃፍቲ ማሕበረሰብ ነጋዶ ሙሉእ ሙሉእ ከም ዝዓነወ ዝገለፁ ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ወለድ ልቃሕ ባንኪ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመት ንኽኸፍሉ ብብሄራዊ ባንኪ ይግደዱ ከም ዘለው ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈራት ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሴ ገሊፆም፡፡

ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምህላዎም ዘረድኡ እቶም ኣመራርሓ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተግበር ዘተ ንዝተልዓል ሕቶ ውሳነ ንምርካብ ኣብ ትፅቢት ከም ዝርከቡ ኣይተ ኣሰፋ ወሲኾም ኣረዲኦም፡፡

ይኹን አምበር ወለድ ልቃሕ ባንኪ ትመሓሩ ኢኹም ብዝብሉ ብመደናገርቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ገንዘብ ንኽኸፍል ይስራሕ ከም ዘሎን ነጋዳይ ማሕበረሰበ ነዚ ተረዲኡ ካበ መደናገርቲ ዓርሱ ክቑጠብ ምክትል ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ኣይተ ደስታ በርሀ ተዛሪቦም፡፡

ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ፍታሕ ክሳብ ዝረክብ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ጎኒ ወኪላቱ ኮይኑ ሰላማዊ ቃልሱ ከሕይል ፃዊዒት ቀሪቡ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *