ኮንፈዴሬሽን ኩዑሶ እግሪ ኣፍሪካ (CAF) ኣብ ትግራይ ንፈለማ እዋን ንኣሰልጠንቲ ኩዑሶ እግሪ ህፃናት ፍቓድ ኣሰልጠንቲ (CAF D LICENSE ) ንምሃብ ዘኽእሎ ብነፃ የሰልጥን ኣሎ።

18 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኮንፈዴሬሽን ኩዑሶ እግሪ ኣፍሪካ (CAF) ኣብ ክልልና ንፈለማ እዋን ፍቓድ ኣሰልጠንቲ ንምሃብ ዘኽእሎ ዝህቦ ዘሎ ስልጠና ንኣሰልጠንቲ ኩዑሶ እግሪ ህፃናት – ንመስርሕ ክፍሊት ኣገልግሎት ስልጠና ንኣሰልጠንቲ እቲ ኮንፈደሬሽን ብምጉሳይ ብሰንኪ ኣብ ክልልና ዝበፅሐ ሃስያ ውግእ ብነፃ የሰልጥን ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ትማሊ ዝጀመረ ስልጠና ንሓደ ሰሙን ከምዝፀንሕን ንህፃናት ሰልጠንቲ ኩዑሶ እግሪ ከመይ ሓብሒብካን ክኢልካን ንፍረ ምብቃዕ ከምዝከኣልን ሞያዊ ክእለት ምኽዕባትን ካልእን ዘካተተ ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎን ፤ ኣብዚ ዕድል ነፃ ስልጠና ንኣሰልጠንቲ ኩዑሶ እግሪ ህፃናት 60 ሰባት ይሳተፉ ከምዘለው ተቛዳሲ እቲ ስልጠና ዮሴፍ ኪዳነ ን104,4 ሬድዮ FM መቐለ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *