ኮሞፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ምስ ኢንተርናሽናል ክሊኒክስ ላቦራቶሪስ ብምትሕብባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናፃ ግልጋሎት ምርመራ ላቦራቶሪ ከምዝህብ ገሊፁ።

ኣብዚ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ናፃ ግልጋሎት ዝተመረፁ ምርመራታት ላቦራቶሪ ፣ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመፁ ዓቕሚ ንዘይብሎም ተሓከምቲ እቲ ግልጋሎት ምርመራ ብነፃ ከምዝረኽቡ ክሊኒካል ዳይሬክተር ኮሞፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ኣብረሃ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

ድሕሪ ሰላም ኮሞፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር እናሰረሐ ከምዘሎ ዝገለፁ ዶክተር ኣብረሃ፣ እቲ ግልጋሎት ላቦራቶሪ ኣብ መዓልቲ 250 ናሙና ንምምርማርን ን3 ኣዋርሕ ዝዘልቕ ሰፊሕ ሓገዝ ክገብር ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ኣብ ኢንተርናሽናል ክሊኒክስ ላቦራቶሪስ ዳይሬክተር ቢዝነስ ዲቨሎፕመንት ዶክተር ሞቱማ ጎንፋ፣ እቲ ብተንቀሳቓሲ ክሊኒክ ኣብ ዓይደር ዝወሃብ ግልጋሎት ነፃ ምርመራ ላቦራቶሪ ዓቕሚ ዘይብሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዓብይ ደገፍ ምዃኑ ተዛሪቦም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *