ኮሙሽን ሓርበኛታት ትግራይ ሰነድ ኣብ ጉዳይ መሰልን ተጠቃምነትን ሓርበኛታት ትግራይ ኣመልኪቱ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።

ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ፕሮጀክት ቀረፃን ሃፍቲ ምትእኽኻብን እቲ ኮምሽን ተጋዳላይ መሓሪ ኣሰፋ፣ እቲ ኮምሽን ብሄራዊ ክብርን ረብሓን ሓርበኛታት ብሕጊ ንምርግጋፅ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት ።

ረብሓ ሓርበኛታትን ስድራ ሓርበኛታትን ኣብ ሓፂር ፣ማእኸላይን ነዊሕን ግዘ ንምርግጋፅ ተሳትፎ ህዝብን ማሕበረሰብ ንግድን ተሓዊስዎ ክፍፀም ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም ።

ረብሓ ሓርበኛታትን ስድራ ሓርበኛታትን ንምርግጋፅ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዘመላኸቱ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣካላት ማሕበረሰብ ንግዲ፣ እቲ ሰነድ ፀዲቑ ሓርበኛታት ተረባሕቲ ክኾኑ ክስራሕ ንዕውትነት እቲ መደብ ግቡኦም ከምዝፍፅሙ ብምሕባር ክእረም ኣለዎ ዝበልዎም ሓሳባት ኣልዒሎም።

ካብቶም ዝተለዓሉ ሓሳባት ሓደ” ሓርበኛ ዝበሃል መን እዩ ?” ኣብ ዝብል ብትኹረት ክረአ ከምዝግባእ ተላዒሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ካቢኔ ሰክሪተርያት ትልሚ እቶትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ፣ዘላቂ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝረጋገፅ ረብሓ ሓርበኛታት ክረጋገፅ ከሎ ምዃኑ ተዛሪቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *