ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ዓድዋ ብ5 ክፍልታት ዓውደ ትምህርቲ ብዓይነታት 363 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ንግስተ ሳባ ዓድዋ ሎሚ 363 ተምሃሮ ኣመሪቑ ዘሎ ብዘፈራት ትምህርቲ ኣውቶሞቲቭ፣ኣይ ቲ፣ኣካውንቲንግ፣ስራሕቲ ብረታ ብረት፣ ስነ ዕንፀይቲን ኤልክትሪክን ከምህሮም ንዝፀንሐ’ዩ።

ሓላፊት ቢሮ ቴክንክን ሙያን ኣፍቲ እዋን ስነስርዓት ምረቓ ተረኺበን ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብዛ ወርቃዊት ወርሒ ለካቲት ኢሉ ድማ ድሮ ዓወት ኵናት ዓድዋ ተመረቕቲ ብምዃንኩም እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ድሕሪ ምባል ኣብ ትዋፈርሉ ዓውደ ስራሕ ህዝቢ ትግራይ ንዝኸፈሎ መስዋእትነት ብ ብሞያዊ ፃዕርኹም ክትድብሱ ይግባእ ኢለን።

ተመረቕቲ ተምሃሮ ውፅኢታዊ ዓወት ክተመዝግቡ ትፅቢት ይግበረልኩም ዝበላ ውይዘሮ ገነት ተመረቕቲ ናይ ልምዓትን ምዕባለን ሓይሊ ንክኾኑ ቢሮ ቴክንክን ሙያን ኣብ ጎኖም ደው ከምዝብል ኣረጋጊፀን።

#ጋዜጠኛ ንስሃ ተስፋይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *