ክፍሊ ሕጊ ፓርላማ ዓባይ ብርጣንያ ናብ ቀወምቲ ኣባላት ሰብኣዊ መሰል ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ፀብፃብ ፃንሒት መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክናዋሕ ሓቲቱ ኣሎ::

20 መሰከረም 2016 ዓ.ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ንኽልተ-ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ተፈፂሙ ኣይፈልጥን ክብል ክፍሊ ሕጊ ፖርላማ እንግሊዝ ኣፍሊጡ::

20 መሰከረም 2016 ዓ.ም

እቲ ፖርላማ ናብ ቀወምቲ ኣባላት ሰብኣዊ መሰል ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ፀብፃብ ፃንሒት መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክናዋሕ ሓቲቱ::

ብጥምረት ሕብረት ሰብኣዊ መሰል እንግሊዝ ዝፍለጥ ክፍሊ ሕጊን ፍትሒን; ንኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሪፖርት; ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ኣይተፈፀመን ኢሉ።

ኣባል ፓርላማን ሓላፊ ክፍሊ ሕጊን ፍትሒን እንግሊዝ ብረንደን ኦሃራ ከምኡ ድማ ብሮነስ ኬኤደን ሎርድ ኣልቶንን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘይተለመደን ዓለም ሪኣቶ ዘይትፈልጥን እዩ ክብሉ ገሊፀምዎ::

*************************************

#104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *