ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራትን ማሕበር ልምዓት ኢሮብን ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብ 24 ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመሃሩ ልዕሊ 4,800 ተምሃሮ ዝውዕል ሓገዝ ብሽኩቲ ገይሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ኢሮብ መምህር ብርሃነ ግርማይ ከም ዝበልዎ ኣብታ ወረዳ ኣጓኒፉ ንዘሎ ድርቂ ስዒቡ ሰኣን ዝብላዕ ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይቦኽሩ ብማሕበር ልምዓት ኢሮብ ዝተዓደገ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ብስኩት ንሰለሰተ ኣዋርሕ ዘፅንሕ ኣብ 13 ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፋፊሉ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ን 11 ኣብያተ ትምህርቲ እውን ሓገዝ ብስኩት ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረስብከት ዓዲግራት ተኸፋፊሉ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ብርሃነ ብድምር በቲ ሓገዝ ኣብ 24 ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመሃሩ ልዕሊ 4800 ተምሃሮ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ድማ ኣረዲኦም።

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ብሰንኪ ኣጓኒፉ ዘሎ ድርቂ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው እናጋጠመ እዩ ዝበሉ ኣይተ ብርሃነ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ተመሳሳሊ ደገፍ ተጠናኺሩ ኽቅፅል ድማ ፀዊዖም ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *