እቲ ኮምሽን ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መግለፂኡ ከምዝሓበሮ እቲ ሓድሽ ፀብፃብ ውፅኢት ምርመራ – ኣብ ትግራይ ገበን ምፅናት ዘርኢን ገበን ኲናትን ከምዝተፈፀሙ ከምዘረጋገፀ እቲ ኮምሽን ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይዛረየ ሓደገኛ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ልዑል ዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ምርመራ ይጠልብ ድሕሪ ምባል ሕዚ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘይዛረየ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍፀሙ ኣመላኽቲ ነገራት ከምዘለዉን ካብዚኦም ድማ ከበድትን ሰፋሕትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዘይምርግጋዓትን ዘይተሓታትነትን ከምዝርከብዎም ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን መሓመድ ቻንዴ ኦስማን ገሊፆም።
ገበን ምፅናት ዓሌት ምፍፃሞም ዝሕብሩ 8 ጠቖምቲ ሓደጋታት ብመርትዖ ተማሊኦም ምህላዎምን ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ሓዲኡ ኣደብ ዘትሕዝ መፍትሒ ሒዙ እንተዘይመፂኡ ንቐፃሊ’ውን እቶም ገበናት ከበድቲ ዋጋታት ከምዝኸፍሉ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ክኢላ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ኮሚሽን ስቴቨን ራትነር ብግደኦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ጉዳይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኢትዮጵያ ብሞንጎኛ ዓለምለኻዊ ኣካል ተመርሚሩ ተሓታትነት እንተዘይስዒቡ ንቕድሚት’ውን ከበድቲ ሓደጋታት ከምዘስዕብ ግልፂ ገይሮም።