ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተሰረቑ ውሽጣዊ ናውቲ ትራንስፎርመራትን ሰብ ኣመልን’ዮም ኢሉ ንዝጠርጠሮምን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ውቕሮ ተጋዳላይ ፅገ ኣማረ ከም ዝሓበርዎ እቶም ውሽጣዊ ናውቲ ትራንስፎርመራት ብ3 ጥሪ 2016 ዓ.ም.

ካብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ወጋሕታ ሰዓት 12:30 ፅዒና ዝተበገሰት ሚኒባስ ዝዓይነታ መኪና ናብ ከተማ መቐለ ክተጎዓዕዞ እንከላ ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኣረዲኦም።

በቲ ገበን ዝተጠርጠረን ነቲ ንብረት የጎዓዕዝ ነይሩ ዝተብሃለን ሓደ ጥርጡር ምስ’ታ ካብን ናብን ዘጓዓዑዙላ ዝነበሩ መኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምውዓል ፖሊስ ዘድሊ ምፅራይ እናገበረሉ ከም ዝርከብ ዝሓበሩ ተጋዳላይ ፅገ ኣብቲ መስርሕ ምቅብባልን ምትሕግጋዝ ጉሕለትን ኢድ ንዝነበሮም ጥርጡራት ንምሓዝ ድማ ክትትል ይገብር ከም ዘሎ ኣረዲኦም።

ካብ መንጎ እተን ተታሒዘን ዘለዋ ክልተ ውሽጣዊ ኣካላት ትራንስፎርም ብዝተኻየደ ምፅራይ ካብ ወረዳታት ጋንታ ኣፈሹምን ሰውሓ ሳዕሲዕን ዝተሰረቓ ከም ዝኾናን እታ ናይ ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ድማ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝተረከበት ኣፍሊጦም።

ገበንን ስግኣት ገበንን እታ ከተማ ንምንካይ ሕዚ’ውን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ፖሊስ ኮይኑ ዘድሊ ደገፍ ክገብር ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *