“ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእወጅ’ዩ።”- ፕረዚዳንት ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ።

17 መስከረም 2016 ዓ.ም

ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ንስለ ኽብሪ ህዝቢ ትግራይን ትግራዋይነትን በጃ ንዝኾኑ ጀጋኑና ንምዝካር ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ከምዝእወጅ ፕረዚዳንት ጊዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጦም።

“ሎሚ ብዓል መስቀል ኣብ ጮምዓ ነኽብሮ ኣለና። እዚ ብዓል ከነኽብር ከለና ንዚ ኣንፃራዊ ሰላም ረኺብናዮ ዘለና ቡዙሓት ኣሸሓት መላምል መናእሰይ ከፊልና ኢና ምእንቲ እዚ ድማ ንስለ ክብሮም ክበሃል ብሄራዊ ሃዘን ኣብ ክልልና ክእወጅ’ዩ” ክብሉ ሎሚ ምሸት ብድምቀት ኣብ ዝኽበር ዘሎ ብዓል መስቀል ጮምዓ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊፆም።

# ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *