ኣብ ቤት ህንፀት ከተማ መቐለ ኣብ ህንፀት ካብ ዝርከቡ ተሃነፅቲ፡ ሕጊ ጥሒሶም ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ከምልጡ ዝፈተኑ 125 ተሃነፅቲ ሕጊ ከምዘይሰመረሎም እቲ ቤትህንፀት ኣፍሊጡ።
ኣተሓባባሪ ቤት ህንፀት ከተማ መቐለ ኮማንደር ኣማኑኤል ፍስሃ ከምዝገለፅዎ እቲ ጥሕሰት ሕጊ ዘጋጠመ 1ሕዳር 2016 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 11:30 ኣጋ ምሸት ኮይኑ ኾይኑ ኣብ ምርኽኻብ ተሃነፅቲ ንዝነበሩ 20 ኣባላት ፖሊስ ብምውቃዕን ናይ ሰለስተ ብሎክ ማዕፆ ብምስባርን ከምልጡ ከምዝፈተኑ ሓቢሮም።
እቶም ብሓይሊ ጥሒሶም ከምልጡ ዝፈተኑ ተሃነፅቲ ካብ ሰራሕተኛታት ምግብና እቲ ቤት ህንፀት 12 ካራሩን ሞባይልን መንጢሎም ኣባላት ሓለዋ ኣጥቂዖም ግደፉ እንተተበሃሉን ጥይት ንሰማይ እንተተኮሰን ኣይንምለስን ኢሎም ዝጎየዩ ተሃነፅቲ እቶም 112 ብዝተወሰኸ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝሓበሩ እቶም ኮማንደር፤ እቶም 4 ግና ከምልጡ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ኣፍሊጦም።
በቶም ከምለጡ ዝሓሰቡ ተሃነፅቲ ዝተወቕዑ ኣባላት ፖሊስ 4 ከቢድ 3 ድማ ቀሊል ጉድኣት በፂሕዎም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ ‘ውን ኮማንደር ኣማኑኤል ገሊፆም።
ካብቶም ዝተወቕዑ ኣባላት ሓደ ተጋዳላይ ሃይላይ ፀጋይ ብወገኑ ሃንደበት ኹሉም ጥሒሶም ብምውፃእ ከምዝቐጥቐጥዎን ገፁ ‘ውን ብእምኒ ተወቒዑ ድሕሪኡ ብብፆቱ ናብ ሕክምና ከምዝተወሰደ ይዛረብ።
እቲ ጎንፂ ሎሚ ዕለት ‘ውን ጀሚሮም ናይ ቃፀሎ ፈተነታት ኣጋጢሙ ምንባሩን ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕቲ ፀጥታ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ምርድዳእ ይግበረሉ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ኣተሓባበሪ ፤እቲ ቤት ህንፀት መበገሲ እቲ ፀገም ኣብ ምፅናዕ ከምዝርከቡ እውን ገሊፆም።
ሕቶ እንተሃሊኡ እውን ጎንፂ ብምልዓል ዘይኮነስ ሕጋዊ መንገዲ ዝተኸተለ ሕጋዊ ሕቶ ብምሕታት እዩ ዝምለስ ዝበሉ ኮማንደር ኣማኑኤል ፍሰሃ ንቐፃሊ እውን ካብዚ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ንምድሓን ኹሉ ሕጊ ከኽብር ይግባእ ኢሎም ከም ፀብፃብ ኤመሓት ።