ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብዝተረኸበ 10 ሚልየን ዶላር ልቓሕ በጀትን ካልእን ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርገሐን ፕሮጀክት ገረብ ሰገን ቀረብ ዝሰተ ማይ ከም ዝሳለጥ ተፈሊጡ።

እቲ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ 10 ሚልዮን ዶላር ብዝተረኸበ ልቓሕ ፣ ካብ ቢሮ ማይሃፍትን ኢነርጅን ፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ፣ካብ ቢሮ ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ፌደራል ብምትሕብባር ዝህነፅ ፕሮጀክት ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብሰገን ሰነ ስርዓት ሳይት ርኽክብ ሎሚ ተኻይዱ’ሎ።

ካልኣይ ብርኪ ፕሮጀክት ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብ ሰገን ቁፅሪ ክልተ መሰተማይን ሳኒቴሽንን ቅድሚ ቁሉዕ ወራር ዝተጀመረ ከምዝነበረ ኣብ ቢሮ ሃፍቲ ማይ ኣተሓባባሪ ቑፅሪ ክልተ ገረብ ሰገን መስተማይን ሳኒቴሽንን ፕሮጀክት ኢንጅነር ደስታ ግደይ ገሊፆም።

ኢንጅነር ደስታ እቲ ፕሮጀክት በሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ቁሉዕ ወራር ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብ ሰገን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ድው ኢሉ ከምዝነበረ ኣፍሊጦም።

እዚ ፕሮጀክት ካብቲ ግድብ ብሓደ መስመር ጥራሕ ዝከፋፈል ዝነበረ ቀረብ ማይ ከተማ መቐለ ካልኣይ መስመር ከምዝውሰኸሉ ሓቢሮም።

ንቲ ስራሕቲ ህንፀት ዝሰርሑ ፀሜክስ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበርን ራይኮን ኮንስትራክሽን ኩባንያ ክኸውን ከሎ ኢንተርፕራይዝ መፅናዕትን ዲዛይንን ማይ ትግራይ ድማ ናይቲ ፕሮጀክት ኣማኸሪ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ተፈሊጡ ኣሎ።

ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብሰገን ሰነ ስርዓት ሳይት ርክክብ ኣብቲ ግድብ ምስ ኮንትራክተራት ፀሜክስ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ወልቀ ማሕበርን ራይኮን ኮንስትራክሽን ኩባንያ ድማ ተኻይዱ ።

ህንፀትን ዝርገሐን ግድብ ገረብ ሰገን ቁፅሪ ክልተ መሰተማይን ሳኒቴሽንን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ስራሕቲ ህንፀቱ ክዛዝም ውዕሊ ከምዝተኣሰረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *