ካብ ባህርዳር – ደብረታቦር – ንፋስ መውጫ – ጋሸና – ኣላማጣ ዝተዘርገሐ 230 ኪሎ ቮልት ልዑል ሓይሊ መተሓላለፊ መስመር ኤሌትሪክ ምብታኹ ስዒቡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ከምዝተቛረፀ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ክፍሊ ስርሒትን ፅገናን ክልል ሰሜናዊ ምዕራብ ዘፈር ስርሒት መስመራት መተሓላለፊን መከፋፈሊ ጣብያታትን እቲ ትካል ሻምሱት ኣቤ ከምዝገለፅዎ ካብ ሎሚ ንግሆ ረፋድ ሰዓት 4:30 ጀሚሩ ሓደ መሰመር መተሓላለፊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተበቲኹ ስለዘሎ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ከምዝተቛረፀ ኣረዲኦም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ንፋስ መውጫ – ጋሸና – ኣላማጣ – መኾኒ – መቐለ ዝኸይድ መስመር ሓይሊ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቛረፀን ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ዝተበላሸወ ብምፅጋን ነቲ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

መብዛሕትአን ከተማታት ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ምብታኽ ገመድ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ ከምዝተቛረፀ’ውን ወሲኾም ገሊፆም።

May be an image of twilight

See insights and ads

Boost post

All reactions:

165165

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *