ካብ ማሕበር ደቒ ኣንስትዮ ቨርጂንያ ኣመሪካ ንኣዴታት ትግራይ ኣጋጢምዎን ካብ ዘሎ ሓያል ሰነ ልቦናዊ መሃሰይቲ ተናጊፈን ናብ ስራሕቲ ንግዲ ክኣትዋ ዓሊሙ ገንዘባዊ ድጋፍን ስልጠናን ተዋሂብወን ።

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝብን ሓበሬታን ከተማ ሃገረሰላም ናብ 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ኣብ ዝላኣኮ ፀብፃብ ከምዝበሎ ኣብ ቨርጅንያ ኣመሪካ ዝርከብ ትካል ማሕበር ረድኤት ደቒ ኣንስትዮ ትግራይ ንኣዴታት ትግራይ ኣጋጢምዎን ካብ ዘሎ ሓያል ሰነ ልቦናዊ መሃሰይቲ ተናጊፈን ናብ ስራሕቲ ንግዲ ክኣትዋ ዓሊሙ ን 30 ደቒ ኣንስትዮ ንተከታተልቲ ሰለሰተ መዓልቲ ናይ ስነ ልቦና ስልጠናን መጀመሪ ስራሕ ዝኮውን ገንዘብ ናብ ባንኪ ሒሳብ ቁፅረን 20 ሽሕ፣ ናብ ኢደን ድማ ንሓደ ወርሒ ቐለብ ዝኮውን ልዕሊ ሽድሽተ ሽሕ ብር ንነወሰወከፈን ከምዝተበርከተለን ኣፍሊጡ።

ብድምር ካብ ማሕበር ሬድኤት ደቒ ኣንስትዮ ቨርጂንያ ኣመሪካ ኣብ ክልተ ወረዳታት ዛባ ደቡብ ምብራቅ ትግራይ ማለት እውን ኣብ ከተማ ሃገረሰላምን ከተማ ዓዲሹን ን60 ደቒ ኣንስትዮ ልዕሊ 1 ሚልዮንን 604 ሽሕን ብር ዝተልኣከ ገንዘብ ብማሕበር ደቒ ኣንስትዮ ትግራይ ኣቢሉ ናይ ስነ ልቦና ሕውየት ስልጠናን ገንዘባዊ ሓገዝን ክዋሃብ ከምዝተገበረ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝብን ሓበሬታን ከተማ ሃገረሰላም ናብ ጣብያና ኣብ ዝላኣኮ ሓበሬታ ኣመላኪቱ ኣሎ።

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *