ካብ መሰረተ ልምዓት ዕንወትን ጉሕለትን ዘይተናገፈት ትግራይ !

ኣብ መሰመር ሸራሮ ሑመራን መስመር ሸራሮ ባድመን ተዘርጊሑ ኣብ ዘሎ ገመድ ታወር ኤሌክትሪክ ብለያቡን ወረርቲ ሐይልታትን ከቢድ ዕንወት ከምዝበፅሖ ማእከል ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከተማ ሸራሮ ኣፍልጡ።

ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ከተማ ሸራሮ ኣይተ ሰዓረ መኮነን ኣብቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ታወር ገመድ ኤሌትሪክን ካልኦት ገመዳት ኤሌክትሪክን ብተደጋጋሚ ብወረርቲ ዕጡቓትን ነቲ ኩነታት ዝብለፁ ዘለው ጉሓልትን እናተቖረፀ ይውሰድ ብምህላዉ ኣብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከቢድ ዕንወት ይበፅሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ መሰመር ሸራሮ ባድመ ተዘርግሑ ኣብ ዝርከብ ገመድ ታወር ኤሌክትሪክ በቲ ኲናት ካብ ዝበፀሖ ከቢድ ዕንወት ብተወሳኺ ሕዚዉን እቲ ካብ ኲናት ዝተረፈ ብዝተወደቡ ለያቡን ዕጡቓት ሓይልታትን ተበቲኹ ይወሰድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ።

ኣብ ከባቢታት ባድመን ዋዕላ ንህብን ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ብበዝሒ ዝንቀሳቐሰሎም ከባብታት ምስ ምዃኖም ተዛሚዱ ኣብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ መብራህቲ ተኸታታሊ ዕንወትን ስርቅን ይፍፀም ኣሎ ዝበሉ አይተ ሰዓረ ሞኮነን መንግስቲ ፌደራል ወራሪ ሓይሊ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወፅእ ብመሰረት ዉዕሊ ፕሪቶርያ ሓላፍነቱ ክፍፅም ኣተሓሳሲቦም ከም ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ከተማ ሸራሮ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *