ካብ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ መቐለ ንተመዛበልቲ ወገናት ዝተገበረ ድጋፍ

23 ሓምለ 2015 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ብህዝብን ምምሕዳርን ከተማ መቐለ ብ 16 ሚልዮን ብር ዝተዓደገ ልዕሊ 3ሽሕን 7 ሚኢትን ኩንታል እኽሊ ካብ ዞባታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ እንዳባጉና ን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት 2464 ኩንታል ከምዝተረከበ ተገሊፁ ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዝተረፈ ድማ ብስንኪ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ስለማውያን ዝፈፀምዋ ግፍዒ ካብ መረበቶም ተፈናቂሎም ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ከም ዝውሃብ ተሓቢሩ ኣሎ ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ስዓተ ዜናን ሓበሬታን ፈነወ 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ክቐርብ እዮ።

ንስሃ ተስፋይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *