ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ከምዘፅደቐ ኣፍሊጡ።

ትማሊ 07 መጋቢት 2016ዓ.ም ኣማስዩ ዝተወደአ ኣኼባ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብዝርዝር ተመያይጡ ኣፅዲቕዎ ኣሎ።

እቲ ረቂቕ ደንቢ ንምድላው ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ትካላትን ሓሳብ ዝእክብን ዝውድብን ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ወዲቡ እናሰርሓሉ ከምዝመፀ ዝሓበረ እቲ ካቢኔ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብዕምቆት ብምርኣይን ንጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታውን ምምሕያሻት ገይሩ ከፅድቖ ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ደንቢ ንምድላው ነዊሕ እዋን ከምዝወሰደ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ናብ ተግባር ክሰጋገር ብምውሳን ብሓላፍነት ዘተግብር መጣየሺ ከሚቴ እውን ሰይሙ ኣሎ።

እቲ ካውንስል ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝሓሸ መንገዲ ካብ ምፍፃም ብተወሳኺ ኩሎም ሓሳባት ትግራይ ዝስምዕሉ ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ጉዕዞ ዴሞክራታይዜሽን ትግራይን ህዝባውን መሰረት ከንፅፍ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እውን ተነቢርሉ እዩ።

ቀንዲ ዕላማኡ መሰረታዊ ዕማማት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምትግባር ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ድምፂ ብዝግባእ ክስምዑ ምግባር ኮይኑ ኣብ ገለ መዳያት ንመንግስቲ ካብ ምምኻር ሓሊፉ ናይ ውሳነ ሓሳባት ዝቕርበሉ፤ ኣብ ገለ ትካላት ድማ ውሳነታት ዝህበሉ መስርሕ ከምዝተዘርግሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ ከም ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *