ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዘሳለጦ ዘተ ቅድሚ ሐዚ ንህዝባዊ ስራሕቲ ኣፀገምቲ ዝነበሩ መምርሕታት ከምዘመሓየሸ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ካቢኔ ካብ ለካቲት18 ክሳብ 19 ንኽልተ መዓልታት ከምዝዘተየ ዝሓበሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፤ኣብ መምርሒ ካሕሳ መሬት ፣ መምርሒ ኢንቨስትመንትን ሰደድን ከምኡ እውን መምርሒ ኮምሽን ሓርበኛታትን ትግራይ ንህዝቢ ብዝረብሕን ብህልዊ ኩነታት ትግራይ ብዘስርሕን ብዕምቆት ተዘትይሉ ተመሓይሹ ክትግበር ከምዝወሰነ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሰብ ሰራሕን ተፈጥሮኣውን ፀገማት እናሃለወ ከም ትካል ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ዝግበር ዘሎ ዝተዋደደን ዝተወደበን ወፍሪ ፀለመ ጉድኣቱ ከምዘመዝን ኣብዝሃብዎ መግለፂ ዘተሓሳሰቡ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፤ ዘለናሉ ህልዊ ኹነታት ትግራይ ተኣፋፊ ስለዝኾነ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብሓድነታዊ መንፈስ ብምምላስ ህዝቢ ትግራይ ምድሓን እቲ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ስለዚ ዘለናሉ ኹነታት ከየገናዘቡ ኣብ ፀለመ ዝተዋፈሩ ኣካላት ደው ኢሎም ከገናዝቡ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ ስቓይን ሞትን ህዝቢ ትግራይ ደው ከምዘይበለ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ፤ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ማሕበረሰብ ዓለምን ንትግበርኡ ብዘይምቁራፅ ይዝቲ ከምዘሎ ገሊፆም። ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት እውን ምስ መደራደርቲ ኣካላት ንምዝታይ መርሃ ግብሪ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

መስርሕ ሰላማዊ፣ዲሞክራስያዊ፣ ፖለቲካውን ኩነታት ተጠቒምካ ሕትታት ህዝቢ ትግራይ ክምለሱ ምምጓት ተመራፂ መማረፂ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ጉዳይ ብጥሜት ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ንምባል መፍትሒ ምንዳይ ዝምልከት ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሩ ኣፈላላያት ናብ ሓደ ንምምፃእ ከምዝተኸኣለ ዝሓበሩ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፤ ዘላቒ መፍትሒ ዝኾነ ናይ ዓርስኻ ምኽኣል ስራሕቲ እውን ብትኹረት ይስረሐሎም ከምዘሎ ገሊፆም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *