ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ በጀት ዓመት 2016 ልዕሊ 17 ነጥቢ 3 ቢልዮን ብር ኣፅዲቑ። User1 July 26, 2023 18 ሓምለ 2015 ዓ.ም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 14 ሓምለ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ መደበኛ ኣኼባ፣ ዝቐረበሉ ረቂቕ በጀት ዓመት 2016 ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ፤ 17.368 ቢልዮን ከም ዘፅደቐ ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት ትግራይ ሓቢሩ። User1
“ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝተዘርኡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘራእቲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከቡ።” – ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ።
ጉዱሳት ኣባላት ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ሃገረ እንግሊዝ ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ብር ወፃኢ ብሰንኪ ቁሉዕ ወራር ንዝተሃሰዩ ናውቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ ዓዲግራት ፀጊኖም።
13 መስከረም 2016 ዓ/ም ብመሰረት ዝካየድ ዋኒናት ፅገና ካብ ንጉሆ 12 :00 ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 6:00 አገልግሎት መብራህቲ ኣብ ትግራይ ከም ዝቋረፅ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌትሪክ ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ።