ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!

ድሕሪ ዕርከነት ኣቦ ወንበር ብልፅግና ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድን ኢሰያስ ኣፍወርቂን ፤ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምስ ኮነሬል ኣብይ ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ፤ ምሕማይን ምህሳይን ዝድርኺቱ ዕርከነቶም ምስ መቀሮም ንካቢኔ ምኒስተራት ኤርትራ ብኣዉርኡ ኽኣ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሑቑኦም ካብ ዝህብዎም ትማሊ ሶኒ 28 መስከረም 2020 ዓ.ም.ፈ. ካልኣይ ዓመቶም ደፊኖም ኣለዉ፡፡ ኣይተ ኢሳያስ ኣፍወርቂ 28 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ.ንካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ኣኼባ ካብ ዝገብርሉ ንድሓር ክሳብ ትማሊ 28 መስከረም 2020 ዓ.ም.ፈ.ኣብ ዝነበረ እዋን ካልኣይ ዓመቶም ክሳብ ዝደፍኑ ተኣኪቦም ኣይፈልጡን፡፡ እቲ ምንታይ ፕረዚዳንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሃገረ ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ብቐጥታ ዝምራሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ እንታይነቱን ዕላምኡን ኣብ ዘይተፈለጠ ኣብ ፅዑቕ ስራሕ ስለ ዝርከቡ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኩለንተና ሃምኦም ኣብ ኢትዮጵያ’ዩ ዘሎ፡፡ ብሙቕሉል ኣዘራርባ ፕረዚዳንት ኢሰያስ ኣፍወርቅን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ንኢትዮጵያ ካብ ዝመርሑ ካልኣይ ዓመቶም ደፊኖም ኣለዉ፡፡ ካብ ሰናይ ጕሓቱ ኣብቲ ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ዘሰላስሎ ኣኼባ ቅድሚ ስሩዕ ኣኼብኡ ምጅማሩ ፤ እቲ ስሩዕ ኣኼባ ካቤኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ንምእካቦም ዘርኢ ሙስሉይን ተራን ዕላል እንዳተቐባበሉ ኽዕልሉ ከለዉ ንምስሉ ቐሪፅካ ብምሓዝ ኣብ መወዳእታ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ተፃሒፉ ንዝወፀ ፤እቲ ካቢኔ ሚኒስትራት ኣብ ምንታይ ኣድሂቡ ክዝቲ ከምዝወዓለ በቲ ኣቐዲሙ ዝተቐረፀ ተንቀሳቓሲ ምስሊ እንዳተወሃሃደ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ ተወሃሂዱ’ዩ ናብ ህዝቢ ዝቐርብ ነይሩ፡፡ እቲ ብካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ነዊሕ ጊዜ ተዋሂብዎ ተዘትይሉን መፍትሒ ኣንፈት ኣቐሚጡሉ’ሎ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ምስቲ ጭቡጥ ኩነታት ዘይገናዘብ ጥራይ ዘይኮነስ ዘይራኸብ ብምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ንመግለፂ እቲ ካቢኔ ሚኒስትራት ቡዙሕ ፋዕራ የቡሉን፡፡ ቡዙሕ ዘይግደሰሉ ምኽንያት ኣይምልከተንን ዝብል ስነሓሳብ ስለዘለዎ ኣይኮነን፡፡ እንታይድኣ ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ካቤኒ ሚኒስትራት ዝገምገሞን ኣብ ኤርትራ ክሰራሕ’ዩ ተባሂሉ ዝተትሓዘ ዉጥን ኣብ ግብሪ ክዉዕል ተራእዩን ተሰሚዑን ስለዘይፈልጥ’ምበር፡፡ ከምዚ ዓይነት ድራማ ዝሓዘ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ‘ኣለኹየ ዝብልየ’ ካብ መበል ሓሊፉ እዚኣ ትበሃል ዝፈየዶን ኣብ መሬት ጥብ ትብል ስራሕ ከይሰርሐን ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘሊቑ’ዩ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክኣ እዚ ሙስሉይ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ስለዘይተኻየደ “ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ይበሃለሉ’ሎ፡፡ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከይተሰላሰለ ምትራፉ ሓደ ዘረደአና ነገር ኣሎ፡፡ ባህ እንተይልዎ ብኣይተ ኢሰያስ ዝፅዋዕ ባህ እንተዘይ ኢልዎ ድማ ብሰናይ ድሌቱ ኣብ ኬፍ ዝሃቦ እዋን ኣኼባ ንምግባር ብምዉሳን ናብ’ቲ ባህ ዝበሎ ርእሰ ጉዳይ ዝገብር መራሒ’ዩ፡፡ ቀያዲ መስርሕ መንግስቲ ዝበሃል ነገር የለን፡፡ “ስለምንታይ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስትራት ኤርትራ ኣብ እዋኑ ዘይተኻየደ? ኢሉ ዝሓትት ኣካል የለን፡፡ እቲ ምንታይ “ቅዋም ይተግበር ሃገራዊ መረፃ ይገበር” ዝበሉ ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ዱሩዕ) ዝርከቦም ዘይተኣደኑ ገዳይም ተጋደልቲ ካብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ወፃእ ብትእዛዝ ብሕቱ ብትሕቲ ሃገራዉነት ደዊኑ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ካብ ዘስፍሮም ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ 18 መስከረም 2020 ዓ.ም.ፈ. 19 ዓመታት ኣቑፂሮም ኣለዉ፡፡ ኩሎም ካቢኔ ሚኒስተራት ንዚኣ ኣፀቢቖም ስለዝፈልጡ ሕርየኦም ‘ሱቕ ጡዑም!’ እዩ፡፡ ዳርጋ ኩሎም ሚኒስትራት ኤርትራ ብዘንጋር ኣእዳዉ መራሒ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዘይተደገመ እንተዘይኮይኑ ሓደ ሓደ ፅፍዒት ዘይጠዓመ የለን፡፡ ምስኪናይ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝነበረ ዓሊ ዓብዶ’ኳ ፅፍዒት ኢሰያስ ልዕሊ ወርሓዊ መሃይኡ’ዩ ዝቕበሎ ነይሩ፡፡ ሓደ መዓልቲ ግን ፀሓፊቶም ንኣይተ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝኾነት ሳባ ክሳብ ብፍርሒ ተንቀጥቕጥ ማዕፆ ዉሽጣዊ ቤት ፅሕፈቶም ብዉሽጢ ሃርሂሮም ከም ዓዉዲ ዳጉሻ ሓመድ ከስትይዎ ከለዉን ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዓሊ ዓብዶ ‘ኣይደግምን ኣያይ!’ ክሳብ ዝብል ሓሚሎሞ’ዮም፡፡ ከምኡ’ዮም ኣይተ ኢሰያስ፡፡ ዱግዲጊትን ፅፍዒትን ኣይተ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምፅዋሩ ዝሰኣኑ ኣይተ ዓሊ ዓብዶ ንስርዓት ራሕሪሖም ኣብ ደገ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ዓመታት ተቖፂሩ’ሎ፡፡ ፖለቲካዊ መስርሕ ፕሮግራማት ስርዓት ህግደፍ ብፅፍዒትን ዱግዱጊትን ፕረሲዳንት ኢሰያስ’ዩ ሰለጤን ዘለዎ ክሳብ ዝተብሃለ ዝመስል ፅፍዒት ኣይተ ኢሰያስ ሕዚ’ዉን ዳርጋ ቁልፊ መስርሕ ፖሊሲ እታ ሃገር’ዩ ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎ ፡፡ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባራት ይኹን ንሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብመስርሕ ግበር ኣትግበር ፕረዚዳንት ኢሰያስ’ዩ ዝነጥፍ፡፡ “በትሪ ብጀካ ንዕትሮ ንኹሉ የልዕቶ!” ዝብል ዱሑር ብሂል ቁልፍን ዘመናዉን መስርሕ ኣይተ ኢሰያስ ኣፍወርቂ’ዩ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ፡፡ንነገሩ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ለዉጢ ዘይነበሮ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ንኽልተ ዓመታት ዘይምክያዱ ንኣባላት ካቢኔ ሚኒስትራት ሩፍታ’ዩ፡፡ ዝተረድኦን ዘይተረደኦን ኩሉ ኣባል ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ኣይተ ኢሰያስ ንዘዝተዛረብዎ ኩሉ ብሑሡም ፍርሂ ከም ፅቡቕን ርዱእን ፀብፂቡ ክሳድ ርእሱ ክሳብ ዝምናህ ከም ጠበቕ 10 ጊዜ ርእሱ ካብ ምንቕናቕ ንኣባላት ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራን ስድረኦምን ዓብይ ሩፍታ’ዩ፡፡ ንክልተ ዓመታት ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ዘይምክያዱን ግሉፅነት ኣብ ዝጎደሎ ርክብ ኢሰያስን ኮነሬል ኣብይ ኣሕመድን ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራዉያን ሻቕሎቶም ካብ ምግላፅ ዓዲ ኣይወዓሉን፡፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተሉ መምህር ፀጋይ ገብረሂወት ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ዘይምክያዱን ግሉፅነት ኣብ ዝጎደሎ ዕርከነት ኢሰያስን ኣብይን ኣድሂቦም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ “ኣብዚ ብዙሕ ምምኽኻርን ስራሕን ዘድልዮ መድረኽ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ከም ግቡእ እቲ ንዓመታት ዝደስከለ ሓጋጊ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ ተሓዲሱ ክእከብ ነይሩዎ። ከምኡ ካብ ዘይተገብረ ከኣ ፈፃሚ ኣካል ካቢነ ምኒስተራት ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባታት ከካይድ ነይሩዎ። ከምኡ ስለዘይንርኢ ዘለና ግን እዛ ሃገር ብኸመይ ትመሓደርን ናበይ ገፃ ትኸይድን ከምዘላ ሻቕሎት ኣሎና፡፡ ምስ ሃገራት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ርክብን ስምምዕን ብሕጋዊ ትካላት እንተዘይተፈፂሙ እቲ ብዕርክነትን ድላይን መራሕቲ ዝግበር ፅባሕ ንግሆ ሽግር ክፈጥር ይኽእል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ካቢነ ምእካቡ ብመልክዕ ዜና ኣብ ዝቐርብ ፀብፃብ ኣብ ቴሌቪዥን ንርእዮ ነይርና። እቲ ተዘትዩሉ ዝበሃል ዛዕባ እውን ኣብ ጋዜጣ ነንብቦ ነይርና። ይኹን’ምበር እቲ ካቢነ ዝብሎን ዝካትዓሉን ዛዕባ ስለዘይንሰምዖ ካቢነ ምኒስተራት ኤርትራ ብኢሰያስ ዝተባህሎ ክሰምዕን ጉዳያት ከፈፅም እዩ ክእከብ ፀኒሑ። ስለዚ ተኣኪቡ ኣይተኣኪቡ ብዙሕ ለውጢ ዘምፅእ ኣይኮነን፡፡ እቲ ንዓና ዘሻቕለና ዘሎ ኣብ ክልትኣዊ ጥራይ ዝገበር ዘሎ ስምምዕ’ዩ፡፡” ክብሉ ስክፍትኦም ይገልፁ። እዚ ስክፍታ እዚ ግን ኣብ በይኖም ኣይኮነን። ብፍላይ ምስ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ስምምዕን ዝካየድ ዘሎ ርክባትን ብሕጋዊ ሃገራዊ ትካላት ክፍፀም ይግባእ ክብሉ ፃውዒቶም ኸቕርቡ ፀኒሖም ኣለው። መምህር ፀጋይ ዝተብሃሉ ብወገኖም ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣኼባ ዘይምግባሩ ስዒቡ ከምዚ ክብሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም’ዮም፡፡” ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ሓጋጊ ኣካል እንተለሚሱ እቲ ፈፃሚ ኣካል ተኣኪቡ ኣይተኣኪቡ ብግብሪ ትርጉም ከምዘይብሉ ግን ከኣ ካብ ሓደ ርእሲ ክልተ ካብ ክልተ ሰለስተ ካብ ዓሰርተ ዕስራ ኣራእስ ስለዝሓይሽ ካቢነ ምኒስተራት ክእከብን ክዘራረብን ኣገዳሲ’ዩ ነይሩ፡፡ ካቤኔ ሚኒስተራት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣኼብኡ ምስ ኣሰላሰለ ንቐፃሊ ብዛዕባ ክስርሑ ዝግበኦም ቨስራሕቲ ዉጥናት ብዝርዝር ኣቐሚጡ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ ካቢነ ሽዑ ምስተኣከበ ክሳብ ሕጂ ኣይተራኸበን። እቲ ሓጋጊ ኣካል ኣብ ነብሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ሓንሳብ ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ፤ ምምኽኻር ኣብ ዘድልዮ ጉዳይ ከኣ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ብህፁፅ ክእከብ፤ ኣብ ርእሲኡ 2/3 ካብ ኣባላቱ ኣኼባ ምስ ዝጠልቡ እውን ፕረዚደንት ኣኼባ ክፅውዕ ሓላፍነት ከምዘለዎ እዩ ዝፍለጥ። ይኹን እምበር ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ድሕሪ ጥሪ 2002 ክሳብ ሕጂ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን ። ብሞትን ሕምማም ዝጎደሉ ብዙሓት ካብ ኣባላቱ እውን ኣይተተክኡን። እቲ ክሳብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኤርትራ ኣኼብኡ ከካይድ ዝፀንሐ ካቢነ ምኒስተራት ኤርትራ እዩ ነይሩ። ንሱ ከኣ ኣብቲ ጽዑቕ ስራሕን ብዙሕ ምምኽኻርን ዝሕተተሉ እዋን ዘይምእካቡ ንብዙሓት ሰባት ስለምንታይ? ዝብል ሕቶ ኣሕዲሩሎም ኣሎ፡፡ ይኹን እምበር ሃገራዊ ባይቶኣ ዝለመሰ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ በየናይ ሕጋዊ ኣካልን ትካልን እያ ስምምዕ ክትፍርም ዝብል ሕቶ ቅድሚ ሕጂ እውን ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት ክሓቱሉ ዝጸንሑ ዛዕባ እዩ። ሕዚ’ውን እንተኾነ ይብል መምህር ፍስሃየ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ክመፅእ እንተኾይኑ ኤርትራ እትገብሮ ዝኾነ ይኹን ስምምዓት ብሕጋዊ ትካላዊ ኣካላት እንተኾይኑ ጥራሕ’ዩ – መፃኢ ጉዕዞ ውሕስነት ዝህልዎ።” ክብሉ ይገልፅዎ፡፡ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝመርሕዎ ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ’ምበኣር ካብ ዝጠፍእ ካልኣይ ዓመቱ ዓቑፂሩ’ሎ፡፡ ናብ ምንታይ ከይዱ? እንድዒ’ዩ ኮይኑ ዘሎ መልሱ፡፡ ንዚ እዩ ኽኣ ካቢኔ ሚኒስትራት ኤርትራ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ ዝበሃል ዘሎ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments