(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣብ ትግራይ ኩነታት ኣመጋግባ ነፍሰፁራት ፣ መጥበውትን ኣዴታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናትን ኣዝዩ ዘስግእ ኮይኑ ይርከብ ምስ በለ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቁ ዝርከብ ህይወት ዜጋታት ንምድሓን ድማ ህፁፅ ስጉምቲ ከምዝሓትት ኣመላኪቱ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣጋጢምወን ዘሎ ሕፅረት ምግቢ ንምፍታሕ እናሰረሕና ንርከብ ዝበለ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ፀገም ግና ዘለቒ መፍትሒ ከምዘይተገበረሉን እቲ ፀገም ስፍሓት ስለ ዘለዎ ዝተጠናኸረን ቅልጡፍን ደገፍ ክግበር ከምዝግባእ ለበዋ ኣቕሪቡ እዩ
ካብ ትከላት ሰብኣዊ ሬድኤት ናብ ትግራይ ዝግበር ዝነበረ ድጋፍ ምግብን ካልኦት ቀረባትን ደው ምባሉ ስዒቡ ነፍሰፁራት ፣ መጥበውቲ ኣዴታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናትን ሓዊሱ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ብስእነት መድሓኒትን ምግብን በብመዓልቱ ብኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ይሞቱን ይሓሙን ኣለዉ።