ኩነታት ኣመጋግባ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት፣ ነፍሰፁራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ትግራይ ሕዚ እውን ህፁፅ ስጉምቲ ዝሓትት እዩ።

26 ሓምለ 2015 ዓ.ም

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC)

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኩነታት ኣመጋግባ ነፍሰፁራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናትን ትግራይ ሕዚ እውን ህፁፅ ስጉምቲ ዝሓትት እዩ ክብል ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ድሕረ ገፁ ጠቒዑ ኣሎ ።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC)ንኣሽሓት ሕፅረት መግቢ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ንምድጋፍ መደብ ሐዚ ይንቓሳቐስ ምህላዉ ዝገለፀ እንትኾውን ናይዚ ቀንዲ ዕላማ ድማ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒትን ምግብን ዝሞቱ ወገናት ንምድሓን ከምዝኾነ ኣረዲኡ ።

ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ ክሳብ ሐዚ ክበፅሓሎምን ኣብቲ ካባቢታት ንዝርከቡ ዘተፀገሙ ወገናት እውን ዘይተደገደብ ድጋፍ ክገብረሎም ከምዘይኻኣለ ዝገለፀ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ብምክንያት አዚ ድማ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኩኖታት ከምዝርከቡ ኣመላኪቱ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *