ከተማ መቐለ ንፈለማ እዋን ብዓለም ለኸ ደያኑ ኣትሌቲክስ ዝዳነ ዓለም ለኸ መዐቀኒታት ዘማለአ መበል 19 ዙር ሃገራዊ ቅድድም ጉያ ሪለይ ማራቶን ክተተኣናግድ እያ ።

ነዚ ዓለምለኸ መዓቅቀንታት ንከማልእ ፃዕርታት ዝተገበረሉ ውድድር ኣመልኪቱ ብፕረዝደንት ኣትሌትክስ ኢትዮጲያ ዝተመርሐ ዋዕላ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን ከምዝተሓበረ – አብዚ ሃገራዊ ውድድር ኩለን ክልላት ፣ ከተማታትን ክለባትን ኢትዮጲያ ዝተወከሉ ኣትሌታትን ክለባትን ዝርከብዎም ብዓለምለኸ ደያኑ ኣትለቲክስ ዝምራሕ ብ 5 ፣ 7ን 10ን ኪሎሜትሮ ዝሸፈነ ርሕቐት ብኽልቲኡ ፆታ ቅድድም ጉያ ፅባሕ ክሳለጥዩ።

ፌደሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጲያ እዚ ውድድር ዓለምለኻውነት ንክህልዎ ብዓለምለኸ ዳይነት ክምራሕ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ’ሎ ከም ፀብፃብ ድወት ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *