እዋናዊ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ እዋን ኣመራርሓን መላእ ህዝብናን ኣብ ናይ ቀውዒ ማእቶት ምእካብ ኣበርቲዖም ንክረባረቡ ናይ ስራሕ መምርሒ ከምዘውረደን በዚ መሰረት ድማ ናብ ጭቡጥ ስራሕ ከምዝኣተናን ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ሓበራዊ ምውዳድ ዘይተገበረሉ ናይ ላዕለዎት ካድረታት ኣኼባ ተፀዊዑ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣድላይነት እቲ መድረኽ ኣፈላላይ እንተዘይሃለወ እውን ኣብዚ እዋን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክካየድ ዝግብኦ ከምዘይኮነ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ ።

በዚ መሰረት እውን ሎሚ 17 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም (ንጎሆ) ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ውድብን ሓለፍቲ ፀጥታን ብዝተገብረ ሓበራዊ ምርድዳእ እቲ ተፀዊዑ ዝነበረ ኣኼባ ተዓፂፉ እቲ ንኣኼባ መፂኡ ዝነበረ ኣመራርሓ መንግስቲ ናብ ዘቀመጦ ዕምም (ዝበፅሐ እኽሊ ክእክብ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ክከላኸልን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ካብ ዘብፅሖ ሓደጋ እናተኸላኸለ ጠብ ዝበለት ማይ ናብ ረብሓ ህዝብና ንምቕያርን) ብዝተወደበ መንገዲ ንክዋፈሩ ምርድዳእ ተበፂሑሉ እዩ።

ነዚ ሓበራዊ ውሳነ ስዒቡ ድማ ነዚ ኣኼባ ዝፀወዐ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት እቲ ኣኼባ ንካሊእ እዋን ከምዝተመሓላለፈ ነቶም ዝመፅኡ ካድረታት ውድብ መብርሂ ሂቡ ክስንዮም ኣንፈት ተቐሚጡ እዩ።

ካብዚ ወፃእ ኣብዚ እዋን ብብርኪ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ኣኼባ ከምዘየለ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ደጊሙ እናፍለጠ መሪሕነትና እውን ናብ ስሩዕ መደባቱ ክረባረብ ይግባእ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

17 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም

መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *