ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ዳግመ ህንፀት ንምሕጋዝ ፣ ሕርሻዊ ምህርቲ ንምዕባይ ፣ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ንምሃብ ክሰርሕ እዩ።

25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ብዳይሬክተር ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣሜሪካ (USAID) ኣብ ኢትዮጵያ ስኮት ሆክላንደር ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብምርኻብ ዩኤስኤኣይዲ ኣብ ትግራይን ኢሉ ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ድሕሪ ኩናት ኣብ ዳግመ ህንፀት ንምሕጋዝ፣ ሕርሻዊ ምህርቲ ንምዕባይ፣ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ንምሃብ ከምኡ’ውን ተበፃሕነት ውሕስ ዝኮነ ቀረብ ማይን መሰረታዊ ፅሬትን ንምምሕያሽ ዘለዎ ተወፋይነት ዝላዓለ ምኻኑ ገሊፆም ክብል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ድሕረ ገፁ ጠቂዑ ።

ኮርነር ኣሜሪካ ዝተባሃለ ትካል ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብምትሕብባር ተቛሪፁ ዝነበረ ኣብ መናእሰይ ዘተኮረ ኩለመዳያዊ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ስራሕ ብዕሊ ንምጀማረ ምስ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ፋና ሓጎስ ብሓባር ብምኻን ዳግም ከምዝከፈትዎ እውን ኣብሪሁ እዩ ።

ካብዚ ብተወሳኪ ብዳይሬክተር ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣሜሪካ (USAID) ኣብ ኢትዮጵያ ስኮት ሆክላንደር ንማእከላይ ሕዱር ሕጽረት መግቢ ዘጋጥሞም ህጻናት ህይወት ዘድሕን መግቢ ምሃብ ዝቅፅለሉ ማእከል ጥዕና ሞኖማ ዑደት ከምዝገበሩ ዝገለፀ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እዞም መግቢ ደማ ብወርልድ ቪዥንን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሓዊሱ ብካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ከምዝከፋፈሉ እውን ተገሊፁ ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይብል እቲ ሓበሬታ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ንኣስታት 200 ሽሕ ህፃናት ንሕክምናን ምክልኻልን ሕፅረት መግቢ ዝውዕሉ ምግቢ ምሃብ ቀፂሉ ምሀላዉ እውን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ እዩ።

**************************

ብጋዜጠኛ ገ/ሄር ገዳሙ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *