ኣገዳስነት ምንዋሕ ዕድም ስልጣን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያን ኢሉ ድማ ብኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን መንግስታት ድልየቶም ንምምላእ ኢሎም ዝገብርዎ ዘለዎ ዕንቅፋትን ።

ብዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ ኣብ ድሕረ ገፅ ጀስት ሲክዮርቲ ኣብ ዘስፈርዎ ፅሕፍ ከምዝበልዎ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢ/ያን ዝፍፀሙ ዘለዉ ገበናት ኲናት፣ገበን ኣንፃር ሰብኣውነትን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝምርምር ናፃ ኮሚሽን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቀፀለቲ ሰራሕቱን ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኑን ኣመልኪቱ ከምዝውስን ዘገለፁ ዶክተረ መሓሪ ታደለ ማሩ እቲ ብሰለስተ ክኢላታት ዝሓቖፈ ፓነል ኣብ ሕዳር 2020 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ክልል ኣምሓራን ኣንፃር ተጋሩ ካብ ዘካየድዎ ኣዕናዊ ኩናት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ወገናት ከቢድቲ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕግን ገበናትን ከምዝተፈፀሙ ነፂሩ እዩ ክብሉ ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ ገሊፆም ኣለዉ ።

ዋላ ኳ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዕድመ ስልጣኑ ምሕዳስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እናሃለወ እዚ ተግባራዊ ከይኮውን ግና ዓበይቲ ዕንቅፋታት ይገጥምዎ ምህላዎም ዝሓበሩ ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ እንተኮነ ግና ይብሉ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋስን ናይ ገዛእ ርእሶም ጂኦፖለቲካውን ቁጠባውን ምኽንያት ዘለዎም ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን መንግስታት ግና መንግስቲ ፌዴራል ዘቕረቦ ረቂቕ መሰጋገሪ ውጥን ፍትሒ መሰረት ገይሮም ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ገይሮም ይገልፅዎ ምህላዎም እውን ኣመላኪቶም ።

ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ ወሲኮም ከምዝገለፅዎ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቂ ሰላም ንምርግጋፅ ሓቀኛ ዝኮነ መስርሕ ሰላምን ተሓታትነት ክህሉ ከምዝግባእ ዝገለፁ ኮይኖም እዚ እንተዘይሃልዩ ግና ዝፍፀሙ ዘለዉ ገበናት ኲናት፣ ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ዘርኢ ምፅናትን ሓዊሱ ኩሎም ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ደው ከምዘይብሉን ናይ ምድግጋም ሓደጋ ከምዝረአን ሓቢሮም ።

ሰለዚ ኣብ ትግራይ ዝፍፅም ዘሎ ግፍዕታትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎንፅን ዕሙቕ ዝበለ፣ ነፃን ኩለመዳያውን ምርመራ ከካይድ ዝኽእል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ምርመራ ከናውሖ እንተኪኢሉ ጥራሕ ምካኑ አውን ኣረዲኦም እዮም ኣብቲ ኣብ ድሕረ ገፅ ጀስት ሲክዮርቲ ዘስፈርዋ ስፊሕ ፀብፃብ ።

###################

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *